ትግርኛ (tǝgrǝñña)
ወሃብቲ-ምኽሪ ን ኣደዳ የማንነት ዝመድረኹ ከምኡው/ን ና ይ ዓለታዊነት ተጻብኦታት ንዘጋጠሞም
ውልቀሰባት፣
ነዚ ዝ ስዕብ ንዘጓንፎም ነማኽርን ንድግፍን፣
- ኣደዳ የማናዊ ድርኽነት ኮነ ዓለታዊ ትጻብኦታት ንዘጋጠሞም፣
- ተጻብኦታት ንዘጋጠሞም ቤተ ሰብ፣ የዕርኾም ከምኡውን ንተጻብኦታት ዝረኣየ ምስክር ወይ መስካሪት ድሕነት
- ንምክልኻል፣
- ከምኡውን ኩላቶም መሳርሕትና ድሕነት ምክልኻል።
…... ኣንጻር ተጻባእቲ ጥርዓን ኮ ነ ድሩት ክሲ ንምቕራብ፣ ከምኡውን ንኣደዳ ተጻባእነት ዝኾኑ ውልቀ ሰባት
ንምክልኻል ዘኽእል ሕ ጋዊ ተኽእሎታት ሓብሬታ ምሃብ፣
…... ኣደዳ ተጻባእነት ንዝኾኑ ውልቀ ሰባት ና ብ እንዳ ፖሊስ፣ ወይ ና ብ ጠበቓ፣ ና ብ መንግስታዊ ትካላት፣ ና ብ
ሓኻይም ምኻድ ም ስ ዝደልዩ ምስናይ።
…... ንፍርዲ ቤት ዘድሊ ምድላዋት ምሕጋዝን ከምኡውን ንቶም ዝምልከቶም ውልቀ ሰባት ና ብ ፍርዲ ቤት
ውዕሎ ኣብ ዝህልወሉ እ ዋን ምስናይ፣
…... ፊይናንሳዊ ሓገዝ ኮ ነ ካሕሳ ንምርካብ ሓብሬታ ምሃብ፣ ከምኡውን ንዘድሊ ቅጥዕታት ( ማለት ን ካሕሳ፣
ንመንበሪ ንምቕያር ንዝወሃብ ሓገዝ፣ ወይ ና ይ ጠበቓ ጻማ ዝኽፈል) ንምምላእ ሓ ገዝ ምሃብ፣
…... ስነ ኣእምራዊ ጭንቀት ንምብዳህ ዘድሊ ሓ ገዝን ድጋፍን ምሃብ፣ እንተ ኣድለየውን ነቲ ሽግራት ንምቅላል
ኪኢላታት ን ምርካብ ምሕጋዝ፣
…... ንመነባብሮ ኩነታት ንምምሕያሽ ማለት ደሕንነት እቶም ኣደዳ ተጻባእነት ንዝኾኑ ኣ ብ ንቡር ንምምላሱ
ንኽከኣል ድጋፍ ምሃብ። ከም ኣብነት መንበሪ ቤት ምቕያር፣ ከምኡውን ና ይ ነባርነት መሰል ንምርካብ
ምትሕብባር ።
….... ኣብ ዝድለየሉ እዋን ብመንገዲ ህዝባዊ ኣገልግሎት ተጠቂምካ እቲ ብየማናዊ ድርኽነት ንዝመጽእ ናይ
ተጻባኢነት ሽግር፣ ህዝቢ ከ ም ዝፈልጦ ምግብር።
እንህቦ ናይ ምኽሪ ሓገዝ፣
- ንወገንነት ዝምልከት፣ ንሕና ኩሉ ጊዜ ናይቶም ውጹዓት ወገን ኢና እንሕዝ። ስለ ዝኾነ ድማ ንምዕባለ መጻኢ ዕድሎምን ድልየቶምን ከምልኡ ንሕግዝ።
- ንዓሚልነት ዝምልከት፣ ኣንህቦ ምኽሪ ናይ እቲ ተጻብኦታት ዘጓነፎ ውልቀሰብ ድልየት ዝተመርኮሰ ደኣምበር፣ ኣብ ክንድኡ ኰና ጥርዓን ኣብ ምቕራብ ዝተተሓሓዘ ኣይኮነን።
- ውጹዓት ንምርካብ ዝምልከት፣ ንሕና እንዳተቐሳቐስና ኢና ውጹዓት ነማኽር፣ እቲ እንካይዶ ዝርርብ ድማ ኣቲ ውጹዕ ኣብ ዘሎዎ ኣከባቢ እዩ ዝኸውን።
- ንምትእእማን ዝምልከት፣ እቲ እነካይዶ ዝርርብ ብዝለዓለ እምነትን ምስጢርን ንኽተሓዝ ምሉእ ዋሕስነት ንህብ። እንተተደልዩ እውን ናይቲ ውጹዕ ስም ኮነ መንነት ከይተረቘሔ ርክብ ንምክያድ ይከኣል እዩ።
- ንቛንቛ ዝምልከት፣ ናይ ቋንቛ ዘይምርድዳእ እንተጓነፈ፣ እቲ ዝርርብ ብመንገዲ ኪኢላታት ቋንቋ ከም ዝካየድ ንገብር ኢና።
- እንህቦ ኣገልግሎት፣ ብነጻ እዩ።
ትካልና ዝስንዶ......
ብየማናዊነት እተደረኸን፣ ኣብ ዓለታዊ ፍልልይ እተመርኮሰ ተጻባእነት እዩ። ስለ ዝኾነ እዚ ተጠቒሱ ዘሎ
ኩነት ተጻባእነትን እንድሕር ኣጋጢሙኩም ወ ይ እንተሰማዕኩም ቐልጢፍኩም ሓብሩና።
ኣደዳ ተጻባእነት ንዝኾኑ ምምኻር ሃ ደ ፕሮጀችት ናይ RAA Sachsen e.V እዩ።